ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 15 ሚልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ንቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣወፍዩ።
ካብቲ ህዝብን ምምሕዳርን ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ንትግራይ ዝተውሃበ ሓገዛት 1500 ኩንታል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምግቢን ምሩፅ ዘርኢ ስርናይን ይርከብዎም።
ቅድሚ ሐዚ እውን እቲ ክልል 10 ሚልዮን ብር ብጥረ ገንዘብ ብሓገዝ ንፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ለጊሱ ምንባሩ ይፍለጥ።
ርእሳነ ምምሕዳራት ክልላትን ከቲባታት ምምሕዳር ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ዝተፈፀመ ዕንወት ዳግም ንምህናፅ እጃሞም ከምዝፍፅሙ ብዝኣተውዎ ቃል መሰረት ዝተፈላለዩ ሓገዛ ኣብ ምሃብ ይርከቡ ።
ትግቲቪ
