Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንተምሃሮ ሰሓርቲ

ሓደ ኣብራሃም ማርዮ ዝተብሃለ ግዱስ ትግራዋይ ምስ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብሩ ተጋሩ ብምትሕብባር ኣብ ዞባ ደቡብ ሞብራቕ ትግራይ ወረዳ ሰሓርቲ እትርከብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህቲ ሓርነት ንዝመሃሩ ተምሃሮ ብ240 ሽሕ ቅርሺ ወፃኢ ዝተዓደገ ናውቲ ትምህቲ ሓጊዙ።

እቲ ሓገዝ ናዉቲ ንኣስታት 300 ተምሃሮ ነብሲ ወከፎም 6 ደፍተር፣ሓደ ቦርሳ፣ 2 ቢሮን እርሳስን ድጋፍ ተገይርሎም።

ርእሰ መምህር ቤት ትምህርቲ ሓርነት መ/ር ገ/ማርያም ተስፋይ ብወገኖም እቲ ብተወለድቲ ተጋሩ ዝተገበረ ድጋፍ ናውቲ ትምህርቲ ኣመስጊኖም ፤ ኮይኑ ግና እቲ ቤት ትምርህቲ ብወረርቲ ሓይልታት ዝዓነወ ብምዃኑ ካልኦት እዉን ዝያዳ ኩለ መዳያዊ ሓገዛት ክገብሩ ተላብዮም።

ብሰንኺ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዘፈር ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሃሰያ ከም ዘሎን ዝገለፁ ተወካሊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ ሰለሙን ገ/ታትዮስ ፣ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ዓቕሙ ዝፈቐዶ ኣብ ምምላእ ናዉቲ ትምህርቲ ተምሃሮ ትግራይ ክዓስል ይግባእ ኢሎም።

ኣማኻሪ ጉዳያት ማሕበራዊ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ተስፉ ጌታቸው ብወገኖም ዋላእኳ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ኣብያተ ትምህርትና ዝዓነዋ እንተኾና ተምሃሮ ትግራይ ናብ መኣዲ ትምርቲ ተመሊሶም ክመሃሩ ዝካኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና ኢሎም።

ትግቲቪ



Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *