Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሓገዝ ሴቭ ዘ ችልድረን

ተጠቀምቲ ፕሮጀክት ዓለም ለኸ ገባሪ ሰናይ መድሕን ህፃናት(ሴቭ ዘ ችልድረን) ሓረስቶት ወረዳ እንዳባ ፃሕማን ወረዳ ማይ ቅነጣልን ዝነበራና ጀነሬተር ብፀላእቲ ብምዝራፈን ኣብ ከባቢና ዘሎ ማይ ተጠቒምና ከይነልምዕ ዕንቅፋት ኮይኒና ንጥሜትን ስደትን ተቓሊዕና ፀኒሕና ኢና ይኹን እምበር ሴቭ ዘ ችልድረን ብዝገበረልና ኩለመዳይ ድጋፍ ኣብ ልምዓት መስኖ ተዋፊርና ነልምዕ ኣለና ኢሎም ፡፡

እቲ ትካል ኣብ ሓረስታይ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ቑጠባዊ ቕልውላው ንምቅላል ኣብ 8 ወረዳታት ትግራይ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ቐሪፁ ንሓረስቶት ሓገዛት ማይ ጀነረተር ፣ ምሩፅ ዘርኢ ዕፉን ፣ ኮሚደረ ፣ ሽንጉርቲን ዝተፈላለዩ ናዊት ሕርሻን ብምሃብ ብርክት ዝበሉ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ልምዓት መስኖ ይገብር ኣሎ ፡፡

ተጠቀምቲ እቲ ፕሮጀክት ሓረስቶት ወረዳ እንዳባ ፃሕማን ወረዳ ማይ ቅነጣልን ኣብ ከባቢና ዘሎ ማይ ተጠቒምና ከይነልምዕ ዝነበራና ጀነሬተር ብፀላእቲ ብምዕናውን ብምዝራፉን ንጥሜትን ስደትን ተቓሊዕና ፀኒሕና ኢና ይኹን እምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ዓለም ለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ መድሕን ህፃናት /ሴቭ ዘ ችልድረን/ ብዝገበረልና ድጋፍ ኣብ ልምዓት መስኖ ተዋፊርና ነልምዕ ኣለና ኢሎም ፡፡

እቶም ሓረስቶት ብዝተገበረሎም ድጋፍ ብዝተወሰነ መልክዑ ካብቲ ኣጋጢምዎም ዝነበረ ቑጠባዊን ስነልቦናዊን ማህሰይቲ ወፂኦም ተስፋ ዝህብ ልምዓት መስኖ የልምዑ ዋላ እኳ እንተሃለዉ ሐዚ እውን ምስቲ ዘሎ በዝሒ ተጠቃሚ ሕፅረት ጀነሬተር ብምህላዉ ንስራሕቶም ዕንቅፋት ይኾኖም ከምዘሎን ሐዚ እውን ካልኦት ትካላት ገበርቲ ሰናይ ከምዚ ዓይነት ሓገዛት ክገብርሎም ተላቢዮም ፡፡

ኣብ ሴቭ ዘ ችልድረን ኣተሓባባሪ ውሕስና ምግቢን ምምሕያሽ መነባብሮን ኣይተ መሓሪ ተኣምራት እቲ ትካል ህይወት ካብ ምድሓን ብተወሳኺ ሓረስታይ ካብ ተፀባይነትን ስደትን ንምድሓን ብዘላቕነት ዓርሱ ኣልሚዑ ንከመሓይሽ ኣብ 8 ወረዳታት ትግራይ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ቐሪፁ 75 ጀነሬተርን፣ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዘርኢ፣ ኣሕምልቲን ናውቲ ሕርሻን ድጋፍ ከምዝገበረ ገሊፆም ፡፡

በቲ ፕሮጀክት ዝተገበረ ድጋፍ ሓረስቶት ተስፋ ዝህብን ንልምዓት ዘነቓቕሕን ብምዃኑ ሐዚ እውን እቲ ሓገዝ ብቐፃልነት ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣመራርሓ ወረዳታት ማይ ቕነጣልን እንዳባ ፃሕማን ፀዊዖም፡፡

እቲ ትካል ዝገብሮ ዘሎ ድጋፍ ዝንኣዱ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ምክትል ሓላፊ ዘፈር ዝራእቲን ኣይተ ኣበራ ከደነው ሐዚ እውን ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኩሉ እጃሙ ክፍፅም ይግባእ ኢሎም ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *