ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ መቐለ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ንዝርከቡ ወገናት ሓገዝ ምግብን ናውቲ ትምህርትን ሂቦም፡፡
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ዝተረከቡ ተጋዳላይ ዮሃንስ ወ/ጅውርጊስ (ጆን መዲድ) ተፈናቓሊ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስን ኣብ ኢድ ፀላኢ ዘሎ ቦታታት ሓራ ንክወፅእን ተታሒዙ ዘሎ ሰለማዊ ቃልሲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምግላፅ እዚ ብሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ንተመዛበልቲ ወገናት ዝተውሃበ ሓገዝ ምግብን ናውቲ ትምህርትን ኣብ ጎኖም ከምዘለዉ ንምርኣይ እዩ ኢሎም ፡፡
እዚ ሓገዝ ነተን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከባ ሰለስተ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ንዝርከቡ ልዕሊ 4 ሽሕን 600 ተመዛበልቲ ከምዝተውሃበ ዝገለፁ ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ብምኽንያት ብዓል መስቀል ካብታ ዘላቶም ዕለታዊ ቀለቦም ብምትራፍ ንዝገበርዎ ሓገዝ ኣመስጊኖም ፡፡
እቶም ሓገዝ ዝተገበረሎም ወገናት ንዝተገበረሎም ደገፍ ብምምስጋን ካልኦት ኣካላት እውን ነዚ ሰናይ ተግባር ክስዕብዎ ተላብዮም፡፡
ተወከልቲ ኣባላት ፀጥታ ተጋዳላይ ገ/መድህን ተስፋይን ተጋዳላይ ፍስሃ ብርሃነን እቲ ሓገዝ ንነዊሕ እዋን ሓሲቦምሉ ብምፅናሕ ካብ ዕለታዊ ቀለባቦም ብምንካይ ዝተኣከበ ከምዝኾነን ናብ ቦትኦም ንክምለሱ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡








