“እንገብሮ ዘለና ስልጠና መረጋገፂ ቀፃሊ ህላወን ድሕንነትን ህዝብናን ዓድናን እዩ”
ተጋዳላይ ወ/ጀወርግስ ተኽላይ(ሸሪፎ)
ዋና ኣዛዚ ኣርሚ 33
ኣብ ኣርሚ 33 ኮር 331 ክ/ሰራዊት ሙሴ ክሳለጥ ዝፀንሐ ቀዳማይ ዙር ስልጠና ሎሚ 29 መስከረም 2018 ዓም ተዛዚሚ ኣሎ። እታ ክ/ሰራዊት ብምኽንያት ክተካይዶ ዝፀንሐት ስልጠና ምዝዛም ምረቓን ዝኽሪ ስውኣት ኣባላታን ዘሳለጠት ኮይና ኣብቲ ስነስርዓት ተጋደላይ ሸሪፎ ተረኺቡ እዩ።
ዋና ኣዛዚ ኣርሚ 33 ተጋደላይ ወልደጀወርግስ ተኽላይ (ሸሪፎ)
ፀላእትና ከፍርሱና ይሰርሑ ምህላዎም ብምግላፅ ንሕና እውን ሓድነትና ኣፅኒዕና ዝተማላአ ዓወት ንምዕታር ክንሰርሕ ይግባእ ኢሉ። ንፀላእትና ሓድነትና እያ ተፍርሖም ዝበለ ጀነራል ሸሪፎ፤ ፀላእትና ኣብ ውሽጥና ኣትዮም ሓድነትና ብምብታን ንምስዓር ሃቂኖም ይረባረቡ ምህላዎም ኣብሪሁ። ብምዃኑ ድማ ሽርሖም ተረዲእና ምድላዋትና ብምጥንኻር ሰላምና ክነፅንዕን ሕቶታት ትግራይ ብሰላም ንክምለሱን ክንሰርሕ ይግባእ ኢሉ።
እዞም ዝካየዱ ዘለውን ብቐፃልነት ዝካየዱን ስልጠናታት ብዘላቕነት ድሕንነትን ሃላዋትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምርግጋፅን ምዃኑ እውን ጀነራል ሸሪፎ ሓቢሩ።
ኣብቲ በዓል ወታደራዊ ሰልፊ፣ ኮማንዶ፣ ዝተፈላለዩ ናይ ጅምናዝየም፣ ስልትን ናይ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ውግእን ፖለቲካዊ ህንፀት ስልጠናታትን ዕውት ብዝኾነ ኣገባብ ክካየድ ምፅንሑ ዘርኢ ምርኢታት ቀሪቡ እዩ።
ኣብዚ ፕሮግራም ዝተዓደሙ ዝተፈላላዩ ኣካላት ማለት ስድራ ስውኣት፣ ተወከልቲ ኣካላት ህዝብን ምምሕዳርን፣ ኣሓት ኣሃዱታትን ዝተረኸቡ እንትኾን ሓገዝ ንዝገበሩ ውልቀ ኣካላት ናይ ኣፍልጦን ምስጋናን ሽልማትን ምስክር ወረቐትን ተዋሂቡዎም እዩ።
