Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሓደጋ ውሕጅ ዓዲግራት!ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዘጋጥም ዘሎ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ዝተዋደደ ዓቕሚ እንተዘይዓሪፍዎ ብበጀት ቤት ማዛጋጃ እታ ከተማ ጥራይ መፍትሒ ዝረክብ ከም ዘይኮነ ተገሊፁ።ድምፂ ወያነ ትግራይ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማ ከም ዝበልዎ 29 ሰነን ባሕቲ ሓምለ 2016 ዓ/ም አብ ከተማ ዓዲግራትን ከባቢኡን ዝወቅዐ ማይ ኣብ ኣባይትን ንብረት ነበርቲ እታ ከተማ ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሑ እዩ።ከም ርኢቶ እቶም ነበርቲ እቲ ፀገም ዘጋጥም ዘሎ ንመእለይ ውሕጅ ዝተሰርሑ መፋስሳት ብዝግባእ ስለ ዘይተፀረጉን ፣ከተማ ዓዲግራት ብጎቦታት ዝተኸበበት ስለ ዝኾነት ድማ ነዚ ዝምጥን መሰረተ ልምዓት ስለ ዘይተሃነፀሉ እዩ ክብሉ የረድኡ።ስለዝኾነ ዝምልከቶ ኣካል ህፁፅ መፍትሒ ክገብር ኣለዎ ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ እንተዘይኮይኑ እቲ ክራማት ሓይሉ ንድሕሪት ስለ ዝኾነ ልዕሊ እቲ ዘጋጠመ ጉድኣት ፀገም ከየጋጥሞም ሻቕሎት ኣለዎም።ኣብዙርያ እቲ ዝቐርብ ዘሎ መረረት ህዝቢ ዝተሓተቱ ኣብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ ዓዲግራት መተሓባበሪ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ኣይተ ይርጋለም ሓዱሽ ከም ዝበልዎ ድማ ቅድም ኢሉ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት እውን ተመሳሳሊ ፀገም እናጓነፈ ከም ዝመፀ ብምሕባር ፤ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት፣ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገረስብከት ዓዲግራት፣መዳርግቲ ኣብያተ ዕዮ እታ ከተማን ካልኦትን ሓቢሮም ብምዝታይ መፍትሒ ዝኸውን ኣንፈት ከቐምጡ እናሰርሑ መፂኦም እዮም።ይኹን እምበር ብዘጋጠመና ጆኖሳይዳዊ ኵናት እቲ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ተበታቲኑ እዩ ፀኒሑ ፤ሐዚ ግና ዳግም ዝተኣኻኸበሉ ዕድል ክፍጠር ኣለዎ ዝበሉ ኣይተ ይርጋለም እንተዘይኮይኑ ፣ሐዚ ዘጋጥም ዘሎ ውሕጅ ካብ በረኽቲ ጎቦታት ከባቢ ከተማ ዓዲግራት እናተሃንደደ ዝመፅእ ዘሎ ስለ ዝኾነ ነዚ ንምክልኻል ብበጀት ዓቅሚ ቤት ማዛጋጃ እታ ከተማ ዝከኣል ከም ዘይኮነ እዮም ተዛሪቦም።ኣብ ገለ ትቦታት መመሓላለፊ ውሕጅ ንዝነበረ ደለልን ርስሓትን ናይ ምልዓል ስራሕ ግና እናሳለጥና መፂእናን ኣለናን ዝበሉ እቶም መተሓባበሪ ሐዚ እውን ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና ክብሉ ድማ ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *