Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሓይልታት ፅንተት ብወረራ ኣብ ዝሓዝዎ መሬት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፅምዎ ዘለዎ ግፍዕታት ብምቕፃል ካብ መረበቶም ንምስጓጓ ተሓንዮም።

ሓይልታት ፅንተት ብወረራ ኣብ ዝሓዝዎ መሬት ትግራይ ብፍላይ ኣብ ደቡብ ትግራይ ኣላማጣን ከባቢኣን ካብ ትማሊ17 ሓምለ 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ገዛንገዛ እናዞሩ ምዝፈባ ከምዘካየዱን፣ ምስመሰየ ድማ ተጋሩ መረበቶም ገዲፎም ንክወፅኡ ዝተሓሳስብ መልእኽቲ ዝሓዘ ፅሑፍ በቲኖም ከምዝሓደሩ ፍልፍላትና ገሊፆም።

ኣብቲ ዝተበተነ ናይ ፅሑፍ መልእኽእቲ ኣብ ኣላማጣን ከባቢኣን ዘለዎ ተጋሩ ካብ መረበቶም ብቅልጡፍ ገዲፎም ክወፅኡ ዘገድድ ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ሓይልታት ፅንተት ንብረትን መንበረ ኣባይቲ ተጋሩ እናዘመቱን እናፍረሱን ከምዝነበረ ዝፍለጥ እንትኸውን ካብ መረበትና ኣይን ፅእን ዝበሉ ተጋሩ ግዳይ ማእሰርቲ ከምዝኾኑ ፍልፍላት ሓቢሮም። ኣብዚ ኣመልኪቱ ብግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተባለ ነገር የለን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *