ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካብቲ ከባቢ ዝልኣኹልና ሓበሬታ ከምዘመላኸቶ ዕጡቓት ኣምሓራ ኣብቲ ከባቢ መዓልታዊ ግፍዕታት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ሐዚ እውን ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ኣምሓራ ናብቲ ቦታ ይሰፍሩ ከምዘለዉ፣ ህዝቢ እቲ ከባቢ እውን ብበላሕቲ ነገራት ይሓርድዎን የሳቕይዎን ከምዘለዉ እዩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ዝገለፁ።
ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ድማ ኣብቲ ዞባ ሰፊሩ ዝርከብ ተወላዲ ኣምሓራይ ነንሕድሕዱ ገጀራታት ይውሃቦ ከምዘሎ፤ ብርክት ዝበሉ ተተኮስትን ካልኦትን ኣብቲ ቦታ ይቕበሩ ከምዘለዉን ካብቲ ከባቢ ዝበፅሐና ሓበሬታ የመላኽት።
ካብዚ ብተወሳኺ ብሓይሊ መንነት ንምቅያር ይሰርሕዎ ናይ ዘለው ሰራሕ መቀፀልታ ኣብ ዝቅፅል ሰንበት ህዝቢ ሰለማዊ ሰልፊ ንከካይድ የገድድዎ ከምዘለው ምንጭታትና ገሊፆም።
