Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝገብርዎ ዘለው ሓዱሽ ሰፈራ ብቅልጡፍ ጠጠው ኢሉ ተመዛበልቲ ተጋሩ ናብ ቦትኦም ንክምለሱ ኣብ ሱዳን ዘለው ስደተኛታት ተጋሩ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ኣምራኩባ ዝተኻየደ እንትኸውን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብቅልጡፍ ብምትግባር ናብ መረበቶም ክምለሱ ሓቲቶም።

ስደት ይኣክል ፤ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ቦትኡ ይመለስ፤ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሕ በደል የብቅዕ ክብሉ ድምፆም ዘስምዑ እቶም ስደተኛታት ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብቅልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሰርሕ ከም ዝግባእ ፀዊዖም።

ብምስኻኽሒ ግፍዕታት ካብ መረበቱ ዝተሰደደ ትግራዋይ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ናብ ዓዱ ክምለስ እንተፀውዐ ዛጊድ ፍታሕ ብዘይምርካቡ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ጠመተ ክህበሉ ድምፆም ከም ዘስምዑ ማዕኸን ዜና tmh ኣመላኺቱ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *