Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:

ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ደቡባዊ የመን ኣብ ልዕሊ ናይ ጽዕነት መርከብ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ሰለስተ ባሕረኛታት ከምዝተቐተሉ ሰብ መዚ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ዕጡቓት ሒቲ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ባሕረኛታት ክሞቱ እዚ ናይ ፈለማ ተርእዮ’ዩ።

እታ ናይ ባርባዶስ ባንዴራ ዘለዋ ‘ትሩ ኮንፊደንስ’ ዝተብሃለት መርከብ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ምስ ተፈጸማ ብሓዊ ሃልሃል ከምዝበለትን እቶም ብህይወት ዝተረፉ ባሕረኛታት ኩሎም ካብታ መርከብ ከምዝወረዱን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እታ መርከብ ብኣቆጻጽራ ዓዲ እንግሊዝ ልክዕ ሰዓት 11 ፈረቓን’ያ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ተሃሪማ።

ዕጡቓት ሑቲ እቲ ኣብ ልዕሊ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ዘካይድዎ ዘለዉ ተደጋጋሚ ናይ ድሮንን ናይ ሚሳኤልን መጥቃዕትታት ነቶም ኣብ ቓዛ ኣንጻር እስራኤል ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ከምዝኾነ’ዮም ዝገልጹ።

እቲ ንማእከላይ ምብራቕ ኣብ ምክትታል ዝነጥፍ ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝሃቢ መግለጺ ብዘይካ እቶም ሰለስተ ዝተቐተሉ ሰለስተ ብኸቢድ ዝተወቕዑ ዝርከብዎም ኣርባዕተ’ውን በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃረሙ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ መግለጺኡ፡ “እዚ ብዕጡቓት ሑቲ ዝፍጸም ዘሎ ዕኑድ መጥቃዕትታት ንዓለማዊ ንግዲ ኣዛቢዑ ንህይወት ዓለምለኻውያን ባሕረኛታት ይቀዝፍ ኣሎ” ኢሉ።

እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ: ባሕረኛታት መርከብ ‘ትሩ ኮንፊደንስ’ ካብ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሑቲ ንዝተውሃቦም መጥንቀቕታ ዕሽሽ ምባሎም ገሊጾም።

ኣብ የመን ዝርከብ ኢምባሲ ዓዲ እንግሊዝ ሞት ናይቶም ባሕረኛታት “ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ እንተኾነ ዘይተርፍ ውጽኢት ናይቲ ዕጡቓት ሑቱ ብግድየለሽ ኣብ ልዕሊ ንግዳውያን መራኽብ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ናይ ሚሳኤል መጥቓዕቲ’ዩ” ኢሉ።

እታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸማ መርከብ ሓደ ህንዳዊ፡ ኣርባዕተ ቬትናማውያን፡ 15 ፍሊፒናውያን ዝርከብዎም ብሓፈሻ 20 ባሕረኛታት’ዮም ነይሮማ። ብተወሳኺ ክልተ ስሪላንካውያንን ሓደ ኔፓላዊ ዕጡቓት’ውን ኣብታ መርከብ ነይሮም’ዮም።

እቲ መርከብ ካብ ከተማ ዓደን ንደቡባዊ ምዕራብ 90 ኪሎሜተር ርሒቓ እናኸደት እንከላ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸማ ውሃቢ ቃል ዋና እታ መርከብን ማናጀር ናይታ መርከብን ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ብሑቲ ትውነን መደበር ተሌቪዥን ኣል ሚስራህ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ክልተ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ከተማ ሑደይዳ ኣብ ዝርከብ ሑቲ ዝቆጻጸርዎ መዕርፎ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየዳ ኣቓሊሓ።

መርከብ ትሩ ኮንፊደንስ ብራድዮ ቪኤችኤፍ ሓይሊ ባሕሪ የመን ኢና ብዝብሉ ሰባት ኣብ ናይ ሓባር ‘ፍሪኮንሲ’ መንገዲ ክትቅይር ይሕበራ ከምዝነበረ ኤጀንሲ ‘ዩናይትድ ኪንግዶም ማሪታይም ትሬድ ኦፖሬሽን’ [UKMTO] ገሊጹ።

ኣብ ጥቃ እታ መርከብ ዝነበራን ካልኦት ንግዳውያን መራኽብ ድሕሪ እቲ ናይ ራድዮ መጠንቀቕታ ብርቱዕ ድምጺ ብረትን ድሕሪ ምስምዖም ካብታ መርከብ ዝወጽእ ብርቱዕ ዒግታ ትኪ ከምዝርኣዩ ሓቢሮም።

UKMTO መርከብ ትሩ ኮንፊደንስ ምስ ተሃረመት ብኣመሪካ ዝምርሑ ልፍንታውያን ሓይልታት ብቅልጡፍ ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ ነቶም ባሕረኛታት ኣብ ምውፃእ ከምዝሰርሑ ገሊጹ።

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እታ መርከብ ናይ ኣሜሪካ’ያ እዃ እንተበሉ ውሃቢ ቃል ዋና እታ መርከብን ማናጀር ናይታ መርከብን ግን እታ መርከብ ምስ ኣመሪካ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብላ’ዩ ገሊጹ።

ውሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ዕጡቓት ሑቲ ናይቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ኩሉ ዓይነት መጥቃዕትታት ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ብምግላጽ ካልኦት መንግስታት’ውን ንሑቲ ተሓታቲ ኣብ ምግባር ክሰርሓ ጸዊዑ።

መርከብ ትሩ ኮንፊደንስ ብትሩ ኮንፊደንስ ሺፒንግ ኤስኤ ዝብሃል ትካል ትውነን ኮይና ኣብ ላይበርያ ተመዝባ ኣብ ግሪኽ ዝርከብ ‘ሰርድ ጃንዋሪ ማሪታይም ሊሚትድ’ ዝተብሃለ ትካል’ዩ ዘካይዳ።

እንተኾነ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ‘ኦክትሪ ካፒታል ማነጅመንት’ ዝብሃል ትካል ይውንና ከምዝነበረ ኤፒ ሓቢሩ።

ትካል ኦክትሪ ካፒታል ማነጅመነት ነዚ ሓቅነቱ ከረጋግጽ ኤፒ’ኳ እንተሓተቶ እቲ ትካል ግን መልሲ ክህብ ኣይክኣለን።

እታ መርከብ ሓጻዊንን ኣጉናድን ጽዒና ካብ ቻይን ናብ ጅዳ ስዑድ ዓረብ እናኣምረሐት እንከላ’ያ ተሃሪማ።

ባንዴራ ሃገረ በሊዝ ሰቒላ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ትጓዓዝ ዝነበረት ሩቢማር ዝተባህለት መርከብ ካብ ሑቲ

ብዝተተኮሱ ሚሳይላት ድሕሪ ምውቃዓ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምጥሓላ ይዝከር፡፡

መርከብ ሩቢ ማር 21 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ኣሙንየም ኒትሬት ዝተባሃል ንድኹዒ ዘገልግል ማዕድን’ያ ጽዒና

ነይራ። ምጥሓል ናይዛ መርከብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከባብያዊ ብከላ ከየስዕብ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።