ተሸላሚ ሎሬት ዶክተር ተወልደ ገብረ እግዚኣብሄር ኣብ መበል 83 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ተማጓትን ሳይንቲስትን ብምኳን ዝፍለጥ ኣዚዮ ክብረ ዘትረፈ እንትኮን ኣብ ለካቲት 12 1932 ዓ/ም ካብ ኣቦኦም ቀሺ ገብረእዚጋአቢሄር ዮውሃንስን ኣዲኦም ወ/ሮ መዓዛ ወልደመድህን ኣብ ትግራይ ዓደዋ ሩባ ገረድ ዝበሃል ቦታ ተወሊዱ፡፡ መባእታ ትምህርቱ ኣብ 1ይ ብርኪ ንግስተ ሳባ ፣ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቱ ኣብ ጀነራል ዊንጋቴ ብምምሃር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ብሉፅ ውፅኢት ሒዙ ተፀንቢሩም። ተዓዋቲ ሎሬት ዶክተር ተወልደ ኣብ ዕድሚኡ ኣብ ሃገሩን ኣርኣያኡን ካብቶም ብድሙቕ ሕብሪ ዝተጻሕፈ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ነይሩ። ዶክተር ተወለደ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ ንምባሩን ካልኦት 60 ዝኮኑ ቆልዑ ብምዕባይ ዝዝንተወሉ ጅግና ነይሩ፡፡ ተሸላሚ ሎሬት ዶክተር ተወልደ ገብረ እግዚኣብሄር ኣብ መበል 83 ዓመቱ ብ12 ለካቲት 2015 ዓ/ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
