Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሎሚ ኣብ ከተማ ኣክሱም ሽመት ኤጲስ ቆጶሳት ክሳለጥ እዩ።

መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ልዕሊ ዓሰርተ ጳጳሳት ክህልዋ እዩ።እተን ተሪፈን ዝነበራ ኣኅጉረ ስብከታት ትግራይ እውን ናይ ባዕለን ሊቀ ጳጳስ ክግበረለን እዩ።መንፈሳዊ ኮሌጅ ነገረ መለኮት ቅዱስ ፍሬምናጦስ እውን ናይ ባዕሉ ላዕላዋይ ሓላዊ ሊቀ ጳጳስ ክስየመሉ እዩ።

ታሪኻዊ ሢመት ኤጲስ ቆጶሳት ዘመንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ካብ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ጀሚሩ እቲ ስነ ሥርዓትን ጸሎትን እናተኻየደ ክሓድር እዩ። ካብኡ ጽባሕ ሰንበት( ሓምለ-16) ብዕሊ ኣንብሮተ-እድ ኤጲስቆጶሳትና ክፍጸም እዩ።

ተወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ሓዊሱ ናይ ደገ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ክርከቡ እዮም።ሚዲያታት ወጻኢ እውን ኣትየን ሓዲረን ኣለዋ።

ብተወሳኪ፡

ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ መንበረ ሰላማ ካሣቴ ብርሃን ንድወት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቶም 10 ዝሽየሙ ኤጲስ ቆጰሳት 5 አብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወፃኢ ዝምደቡ እንትኮኑ እቶም ዝተረፉ 5 ድማ

1 ንዞባ ደቡብ ትግራይ
1ንዞባ ምዕራብ ትግራይ
1ንዞባ ደቡብ ምብራቅ ትግራይ
1ንመንፈሳዊ ኮለጅ ፍሪሜናጦስ
1ድማ ንጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ዝምደቡ እዮም ክኮኑ።

ኣኩሱም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *