ልኡኽ ጊዜያዊ_ምምሕዳር ትግራይ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ናይ ሓደ ሰሙን ፃኒሑቱ ወዲኡ ሎሚ ቐዳም ናብ መቐለ ክምለስ ትፅቢት ይግበር።
ልኡኽ ጊዜያዊ_ምምሕዳር ትግራይ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ፡ ንሓደ ሰሙን ምስ ፌደራል መንግስቲ፣ መንግስቲ ኦሮሚያ ክልልን ካሎኦትን ክዘራረብ ብምቅናይ ሎሚ ቐዳም ናብ መቐለ ክምለስ ትፅቢት ይግበር።
• ናይ 2015 ዓ.ም ዓመታዊ በጀት ትግራይ ክልቀቅን ካብ ዓለም-ለኸ ለገስቲን ኣለቃሕትን ትካላት ሓገዝን ልቃሕን ክርከብን
• ዝተኣገዱ ገለ ባንኪ ኣካዉንቲታት ክኽፈቱ (ዝተረፉ ኣለዉ)
• እሱራት ክፍትሑ (ኩሎም ኣይኮነን)
• ሰብ-ሃፍቲ ኣብ ትግራይ ኢንቨስት ክግበሩ ዘኽእል ዘተ …
ጌሮም ኣለዉ። ብተወሳኪ ነባራትን ላዕለዎትን ኣመራርሓ ህወሓት ክፍትሑ ገይሩ።
ምስ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ፡ #7 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ ከምዝገበሩ፡ ካብዞም ነጥብታት ዉሽጢ፡
• ግዝኣት_ትግራይ (ምዕራብን ደቡብን ትግራይ) ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ከሙኡ ዉን
• ዝተረፉ #ኩሎም ተጋሩ እሱራት ክፍትሑ ዝብሉ ሓዊሱ፡ ፅቡቃት ነጥቢታት ዝተኻተቱዎ ስምምዕ ተጌሩ ኣሎ።






