ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ጉዳይ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ሰላም ንምዝታይ ናብ ኢትዮጵያ ክመፁ እዮም ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።
ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ምስ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክራኸቡ ሙኻኖም እቲ መግለፂ የመላኽት ።
ማይክ ሃመር ኣብ ኣዱስ ኣበባ ፃንሒቶም ምስ ሰብ መዚ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፣ ከምኡ’ውን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዛዕባ ኣተገባብራ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ፡ ፕሪቶርያን ፡ ዳግም ናብ ግጭት ንኸይምለስን ዛጊድ ኣብ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ብፖለቲካዊ ዘተ ምፍታሕ ኣገዳስነትን ህፁፅነቱን ኣመልኪቱ ተራኺቦም ክዝትዩ እዮም። .
ካብዚ ብተወሳኺ ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ሰላም ንክዓስል ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ትኹረት ሂቦም ከምዝሰርሕሉ ተሓቢሩ ኣሎ ።
