Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

“ልኡኻት ሃገራት ኣውሮፖን ኣሜሪካን ብበዝሒ ክንመፅእ ዝኸኣልና ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝድለ ፍጥነት ብዘይ ምፍፃሙ እዩ” _ኣምባሳዶር ዳረን ዊልች።

ልኡኻት ሃገራት ኣሜሪካ ፣ኢንግሊዝ ፣ጣልያን ፣ጀርመን ፣ዴንማርክ ፣ፈረንሳይን ሕብረት ኣውሮፓን ምስ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ይዝትዩ ኣለዉ።

ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ውዕሊ ሰላም ብዘይምትግባሩ ምምላስ ተመዛበልቲ ኮነ ፀገም ትግራይ ክፍታሕ ከምዘይከኣለ ተዛሪቦም።

እቶም ልኡዃት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ክፍፀም ኣብ ምግባር እጃሞም ክፍፅሙ ሓቲቶም።

ኣምባሳደር እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳዶር ዳረን ዊልች ጉዳይ ትግራይ ብፍላይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ቁልፊ ጉዳይ ገይሮም ከምዝሓዝዎን እዙይ ተግባራዊ ኣብ ምግባር እጃሞም ከምዘፍፅሙን ተዛሪቦም’ለው ከም ፀብፃብ ኤመሓት።

ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ስሩዕ ሂወቶም ክመርሑ ከምዘለዎም እውን ገሊፆም።

እዙይ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ብበዝሒ ክመፁ ምኽኣሎም ኣረዲኦም።

እቶም ልኡኻት ምስ ኣቦመንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር)፣ ሲቪል ማሕበራትን ተወከልቲ ተመዛበልቲን ክዛተዩ ምዃኖም ካብ ዕላዊ ድህረገፅ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *