Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ልምዓት ንህቢ ትግራይ

ልምዓት ንህቢ ትግራይ ቅድሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ምፍፃሙ ኣብ ዝሐሸ ብርኪ መፍረይነት በፂሑ እኳ እንተነበረ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ግና ካብቶም ከቢድ ዕንወት ዝበፀሖም ዓዉዲታት ሓደ ከም ዝኾነ እቱ ሰብ ሞያን ተመራመርትን እቲ ዓውዲ ዝገልፁ።

ጀኖሳይዳዉያን ሓይልታት ንትግራይ ኣብ ዝወረርሉ እዋን 70 ሚኢታዊ ልምዓት ንህቢ ከም ዝዓነወን ብፍላይ በቲ ዝካየድ ዝነበረ ደብዳባት ድምፂ ጣይይቲ ዝበዝሕ ንህቢ ዝጠፍአ እንትኾን ሰራዊት እቶም ወረርቲ ኮነ ኢሎም መዓሮም በሊዖም ብሓዊ የቃፅልዎም ከም ዝነበሩ ኣብ ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዳይሬክተር ሃፍቲ እንሰሳትን ተመራማሪ ንህቢን ዶ/ር ገብረኣምላኽ በዛብህ ይዛረቡ።

ንህቢ ንምርባሕ ከም ካልኦት እንስሳት ነዊሕ ግዜ ኣይወስድን ዝበሎ ዶ/ር ገ/ኣምላኽ ሐዚ በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላማዊ ሃዋህው ተጠቒምካ ልምዓት ንህቢ ዳግም መፍራይነቱ ንምዕባይ ዘመናዊ ሜላ ዘተግብር ተመራማሪ ሓረስታይን ኪኢላታትን ንምፍጣር ይስራሕ ከም ዘሎን ኣካል እዚ ዕማም ድማ ማእኸል ምርምር ንህቢ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ቀይሕ መስቀል ብሓባር ንተመራመርቲ ሓረስቶትን ኪኢላታትን ንህቢ ኣብ ልምዓት ንህቢ ኣድሃቡ ስልጠና ተዋሂቡ ከምዘሎ ገሊፆም።

ንህቢ ንዘበናት መናብርትና እዩ፤ እንተኾነ ግና ብዝግባእ ኣይተጠቐምናሉን ዝብሉ ካብቶም ሳይንሳዊ ኣለማምዓ ንህቢ ስልጠና ዝወሰዱ ሓረስቶት ኣብ ልምዓት ንህቢ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወትን ሃሰያን ዳግም ንምልማዕን ተረባሕነትና ንምዉሳኽን ብዝቐሰምናዮ ፍልጠት መሰረት ናብ ተግባራዊ ምንቅስቃስ ክንኣቱ ኢና ይብሉ።

ምክትል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ኣይተ ሚዛን ኣማረ ድማ እታ ብኩለ መዳያ ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ትግራይ እንልዉጣ ለይትን ቀትርን ኢልና ብእንሰርሖ ስራሕ ዉልቃዉን ሓበራዉን ስራሕ ብምዃኑ ኩላትና ብዝተዋፈርናሉ ዓውዲ ጠንኪርካ ምስራሕ ይጠልበና ኣሎ ይብሉ።

ዝዓነወ ዘፈር ሃፍቲ እንስሳትን ልምዓት ሕርሻን ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዳግም ንምሕዋይን ንምህናፅን ምርምር ማእኸል ዝገበሩ ስራሕቲ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ኣይተ ሚዛን።

ኣብ ዓለም ለኸ ትካል ቀይሕ መስቀል ሓላፊ ጨንፈር ትግራይ ኒኮላስ ኦሊቨር እቲ ትካል ኣብ እዋን ኵናት ትግራይ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ሓገዛት እናገበረ ከም ዝፀንሐ ብምሕባር ኣብ ዳግመ ሕዉየት ትግራይ እዉን ኣብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዓዉዲታት ብመልክዕ ስልጠናን ካልኦት ድጋፋትን ከም ዝገብር ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶ/ር ኢያሱ ኣብርሃ ረብሓ ንህቢ መዓር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምዉሓስ ብዙሕነት ህይወት ዝለዓለ ረብሓ ብምህላዉ ከም መይግስቲ ትግራይ ኣብቲ ዓዉዲ ዝሓሸ ለዉጢ ንምምፃእ ሓደ ማእኸል ምርምር ተኸፊቱ ኣብ ስራሕ ከም ዘሎ ሓቢሮም።

ማእኸል ምርምር ንህቢ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዛጊድ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎን እንደርታን 174 ተመራመርቲ ሓረስቶትን ኪኢላታት ልምዓት ንህብን ስልጠና ከም ዝሃበን ንነብስ ወከፍ ሰልጠንቲ ሓረስቶት ድማ ሰሰለስተ ዘመናዊ ቆፎ ከም ዝተዉሃቡ ተገሊፁ።



ምንጪ፡ ትግቲቪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *