Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሂዝቦላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐተለ ተሰሚዑ

ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሂዝቦላህ ዊሳም ታዊል ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐተለ ተሰሚዑ።

እቲ ወታደራዊ ኣዛዚ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላን ኢዩ ተቐቲሉ፡፡

ዊሳም ታዊልን ካልኦት ኣባላት ሂዝቦላህን ሒዛ ኣብ ዝነበረት መኪና ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝኾነ ሬውተርስ መሰኻኽር ዓይኒ ፀሪሑ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ልዕሊ እቲ ወታደራዊ ኣዛዚ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዘስካሕኽሕ ከምዝነበረ እውን ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ኣካላት ፀፅታ ተዛሪቦም፡፡

ሂዝቦላህ ብግድኡ÷ ዊሳም ታዊል ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣዛዚ ህይወቱ ከምዝሓለፈ የረጋግፅ እምበር ህይወቱ ዝሓለፈበሉ ዝርዝር ምኽንያት ካብ ምፅራሕ ከምዝተቖጠበ ተሓቢሩ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *