Eritrea 🇪🇷 China 🇨🇳 |• ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሎሚ ሰኑይ 15 ግንቦት 2023፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ፡ ድሮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ቺያንግ ዝመርሖ ጉጅለ ሚኒስተራት ሰበ-ስልጣን ቻይና፡ ቀዳማይ ርክብ ኣካይዱ ኣሎ፡
ኣብ’ቲ ሓባራዊ ምኽሪ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈዎርቂ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑሱማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ዶ/ር ገርጊሽ ተኽለሚካኤል፡ ከም’ኡ ዉን ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ኣቶ ነስረዲን በኺት ክሳተፉ ከለዉ፡ ብወገን ቻይና ዉን ብቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ቺያንግ ዝምራሕ ጉጅለ ሚኒስተራት ተረኺቡ፡ ኣብ ዝተታሕዙ ናይ ኣጀንዳ ነጥብታት፡ ዓሚቕ ዘተ ኣካይዶም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ቺያንግ፡ ንማዕከን ዜና ሮይቶርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንክልቲኤን ሃገራት ዝጠቅምን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተሞርከሰ ምትሕብባርን ከዕሙቓ፡ ስትራተጂካዊ ሽርክነተን ብቐጻሊ ከደንፍዓን” ከም’ዘለወን፡ ኣብ’ቲ ኣብ ቤጂንግ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ከም’ዝተረዳድኣ ገሊጹ ኣሎ።
ብፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ’ዚ ካልኣይ መዓልቱ ኣቁጺርሉ ዘሎ ዕለት፡ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንክ ርክብ ከካይድ፡ ትጽቢት ይግበር።
NationalEr Interest
