ሊቢያ 270 ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪካን ኤስያን ናብ ሃገሮም መሊሳ።
እቶም ኣብዝሓ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ሶማሊያ፣ ኒጀር፣ ቻድ፣ ሱዳን፣ ባንግላዲሽን ናይጄሪያንን ዝመፅኡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ሊቢያ ኢማድ ኣል ትራበልሲ፥ ካብ ሃገራት ሶማሊያ፣ ኒጀር፣ ቻድ፣ ሱዳን፣ ባንግላዲሽን ናይጄሪያንን ዝመፅኡ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝፋነዉ ምግላፆም ሚድል ኢስት ሞኒተር ፀብፂቡ።
