ህዝብታት ናብ ዝደለየዎ ፖለቲካዊ ብራኸ ክወጽኡ ግደ ከምዚኦም ዝበሉ መፅሓፍቲ ልዑል ምዃኑ ምስ ገለፀ ኩሉ ኣንቢቡ ክዛተየሉ ዘኽእል መድረኽ ክዳሎ ጠሊቡ።
ነባር ተጋዳላይን ደራስን ኣታኽልቲ ሓጎስ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቡ መጽሓፍ ዝመረቐ እንትኸውን “ትግራይ ማሕላኹም ግበሩ” ክብል ምዒዱ።
መሳርሕትን ብፆትን ደራሲ እታ መፅሓፍ ዶክተር ገብረመድህን ሮምሃ ቃል ምስግና ዝሃበ እንትኸውን ምርግጋፅ ሓርነት ህዝብታትን ናፅነት ዓድን ነጥበ መቐይሮ ሕዚ ዘላ ትግራይ ምዃኖም ገሊፁ።
