Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ለካቲት 11 ኣመልኪቱ ካብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

11 ለካቲት ከም ህዝቢ ሕሉፍና መርሚርና ኣካይዳና እነዕርየሉ እዩ!

ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ብዙሓት ቃልስታት ኣካይዱ እዩ። ውፅኢት ናይ’ዞም ቃልስታት በብምዕራፉ ዝተፈላለየ ዋላ እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣድላዪ ኢሉ ኣብ ዝኣመነሉ ቃልሲ ዕፅፍ ከይበለ ዝኽፈል ኩሉ ኸፊሉ እዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ንምግሃድ ሃገረ ትግራይ ሓዊሱ ካልኦት ዕላማታት ዘለዎም ቃልስታት ተወሊዶም እዮም። ካብዞም ቃልስታት 11 ለካቲት ዝፈለመ ቃልሲ ሓደ እዩ።

ከምቶም ቅድም ኢሎም ዝተገበሩ ቃልስታት ውፅኢትን ዕላማን 11 ለካቲት ዝፈለመ ቃልሲ ምግምጋም ኣደላዪ እዩ ኢልና ንኣምን። ውፅኢትን ዕላማ እቲ ቃልሲ ብዘየገድስ ብግብሪ ብሄራዊ ዕላማ ሒዞም ዝተቃለሱን መስዋእቲ ዝኸፈሉን ደቂ ትግራይ ክብሪ ይግብኦም። ንብሄራዊ ረብሕኦም ኢሎም ዝኸፈልዎ መስዋእትን ዝሰርሕዎ ወታደራዊ ቅያ እውን ንወለዶታት ብዝሳገር መንገዲ ክዕቀብን ክዝከርን ኣለዎ።

ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ወለዶታት ዝገበርዎ ቃልስታት ብረብሓታትኻ መዚንካ ኣብዛ ዕለት መፃኢ ክያዶታትካ ብልቢ ትርእየሉን ሃለዋትካ ብዘላቅነት ተቀፅለሉ ኣገዳሲ እዋን ንክኸውን ፃውዒትና ነቅርብ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
11 ለካቲት፣ 2016
መቐለ፥ ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *