ፖሊስ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ላባራቶሪ ማሽናት ዕንወት ፈፂሞም ዝተብሃሉ ዛጊድ ኣርባዕተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ኣውዒለ ኢሉ ፡፡
ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ላባራቶሪ ማሽናት ዕንወት ፈፂሞም ዝተብሃሉ ኣርባዕተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ኣውዒሉ ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣፍሊጡ፡፡
21 መጋቢት 2016 ዓ.ም ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ 3 ዓበይቲ ላባራቶሪ ማሺናት ዕንወት ከምዝበፅሐ እዩ እቲ ሆስፒታል ዘመላኽት፡፡
ካብቶም ዕንወት በፅሕዎም ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኖም ዘለዉ ማሽናት ላባራቶሪ ኮባስ 6ሺሕ ፣ ዝተብሃለ ን100 ዓይነታት ምርመራ ዘገልግልን ውፅኢት ምርመራ ዝህብን ማሽን ከምዝኾነ ድማ ዳይሬክተር ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር ኣብርሃ ገ/እግዝኣብሔር ይገልፁ፡፡
እቲ ዕንወት ፈፂሞም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኮነ ኢሎም ውልቀ ድሌቶም ንምምላእን ዝፈፀምዎ ከምዝኾነ ዶ/ር ኣብርሃ የረድኡ፡፡
ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪትና መብርሂ ክህቡና ዝሓተትናዮም ኣዛዚ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ዓይደር ገ/ክርስቶስ ፋሲል ቤት ፅሕፈቶም ዛጊድ ብዝገበሮ ክትትል እቲ ገበን ፈፂሞም ኢሉ ዝጠርጠሮም 4 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ከምዝውዓሉ ይገልፁ፡፡
እቲ ገበን ሰፊሕ ምርመራ ዝሓትትን ብምዃኑ ተወሰኽቲ ምርመራ ይቕፅል ከምዘሎ ድማ ኣዛዚ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ዓይደር ገ/ክርስቶስ ፋሲል የረድኡ፡፡
እቶም ዓንዮም ዘለዉ ናውቲ ሕክምና ብርክት ዝበለ ህዝቢ ዝግልገለሎም ዝነበሩ ብምዃኖም ቀልጢፎም ተፀጊኖም ናብ ስራሕ ክኣትዩ ኣብ ዝግበሩ ስራሕቲ ኩሉ ክሕግዝ ድማ ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ኣብርሃ ፀዊዖም ክብል ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ ፡፡
