በሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተገበረ ቅሉዕ ወራር ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ዓንየን፣ተጓሒለንን እየን። ህፃናት ትግራይ እውን ከቢድ ስነ ልቦናዊ ሓሰያን ፣ ኣካላዊ መጉዳእትን በፂሕዎም እዩ።
ኣብ ውሱን ከባቢታት ትግራይ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር እኳ እንተጀመረ ተምሃሮ ትግራይ ኣብ እምኒን ፣እግሪ ኦምን ዝዓነዎ መምሀሪ ክፍልን ኮይኖም መፃኢ ባህጎም ንምዕዋት ፃዕሪታት ይገብሩ ኣለዎ።
ህፃናት ትግራይ ብሰንኪ እቲ ቅሉዕ ኩናት ኣብ እምኒ ኮፍ ኢሎም ብእምኒ ዝምሃርሉ ግዘ ንምሕፃር ልዑል ርብርብ ይጠልብ ።
ነዚ ዝተረድኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓገዝ እናገበሩ ዝመፅኡን ዘለዎን በዓል ሃፍቲ ቢዝነስ ግሩፕ ዘርኡ ገበረሊባኖስ ፣ኣብ ከተማ ሰለኽለኻ ኣብ እምኒ ኮፉ ኢሎም ይምሃሩ ንዘለዎ ተምሃሮ እቲ ኸባቢ ንመዐደጊ ወናብር ዝውዕል 1 ሚልየን ቅርሺ ብሓገዝ ኣበርኪቶም ኣለዎ።
ድወት
