Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ህዝብን መንግስትን ኣየርላንድ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዝነበሮም መትከላውን ቅዋምን ምሕላቕን ልባዊ ምስጋና ይግብኦም ክብሉ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝበሎ ብዓዲ ግራት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ተዓዲሙ ናብ ትግራይ ምስ ዝመፅኣን ጳጳስ ካቶሊክ ኣየርላንድ ፣ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ተወከልቲ መንግስቲ ኣየርላንድ ምስ ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ ኣየርላንድ ተራኺቦም ኣብ ዝዘተይሉ እዩ ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዕላዊ ገፅ ትዊተሮም ከምዝሓበርዎ መንግስትን ህዝብን ኣየርላንድ ኣብ ጉዳይ ትግራይ መትከላዊ ዝኾነ መንገዲ ዘካይድዎ ጥብቅና ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዝተገበረ በደል ግፍዕን ኣብ ምቅላስ ዘርኣይዎ መትከላዊ ኣተሓሕዛ ልባዊ ምስጋና ከምዘለዎም ገሊፆም።

ህዝብን መንግስትን ኣየርላንድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ጄኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ኣብ መድረኽ ኣውሮፓን ዓለም ኣጀንዳ ትግራይ መዛተየ ክኾን እናገበሩ ምፅንሖም ይዝከር።

ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ኣየርላንድን ሰብኣዊ ትካላት ኣየርላንድን ከምኡ’ውን ወከልቲ መንግስቲ ኣየርላንድ ሎሚ ኣብ መቐለ ዝተረኸቡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትግራይ ነቲ መደብ ዘዳለወት ህዝብን መንግስትን ኣየርላንድ ንህዝቢ ትግራይ ንዝገበርዎ ዘይንቕነቕ ደገፍ ምስጋና ንምግላጽ እዩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣባላት ሲኖዶስ መንበረ ሰላማን ተወከልቲ ሲቪል ማሕበራት ትግራይን ከምዝተረኸቡ ንህዝብን መንግስቲ ኣየርላንድን ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምጉስጓስ መትከላዊ መርገጺ ንዘለዎም ልባዊ ምስጋና ገሊጽናዮም ኣለና ክብሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ሓቢሮም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *