Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ

ፅባሕ 15 ግንቦት 2015 ዓ/ም ኣብ ርእሰ ከተማና መቐለ ሓዊሱ ኣብ ከተማታት ዓብይ ዓዲ፣ዓዲግራት፣ ኣኽሱምን ሽረ እንዳስላሴን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ”ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ናብ ሙሉእ ትግበራ ይእቶ፣ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሉዓላዊ መሬትና ይውፅኡ፣ ተመዛበልቲ ቅድማ ክረምቲ ምእታዉ ናብ መረበትና ብህፁፅ መልሱናን ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ቀልጢፉ ይጅምርን ካልኦትን” ዝብሉ ጭርሖታት ሒዞም ኣብ ኣደባባይ ወፅዮም ሰለማዊ ሰልፊ ብምክያድ ድምፆም ከምዘስምዑ ኣተሓባበርቲ ኮሚቴ እቲ ሰልፊ ንቴሌቪዥን ትግራይ ሓቢሮም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣መንግስቲ ፌዴራልን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ልዕሊ ወረርቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ወራሪ ሰራዊት ኤርትራን ፅዕንቶ ፈጢሮም ካብ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ከዉፅእዎምን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ቀንዲ ዕላማ እቲ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ምዃኑ ተሓቢሩ።



ትግቲቪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *