Skip to content
- ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ደጉዓ ተንብየን ጣቢያ ሰረት ዝርከብ ነባሪ ህዝቢ ንሓደ መዓልቲ “ ወፍሪ እምቢታ” መሰረት ዝገበረ ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይ ተመያይጡ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ ኣሎ። እዚ ነባሪ ህዝቢ ደጉዓ ተንብየን ከም ኣካል ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ወረርትን ውልቀ መለኽትን ክናገፍ ኣሸሓት ደቁ ዝገበረ ስርዓት ንክኽበር ከምዝኾነ ይፍለጥ። ይኹን’ምበር እዚ ብስውኣትና ዝተሃነፀ ስርዓትና ኣብ ውሽጥና ብዝተፈጠሩ ጉጅለ ክሕደት ሓደጋ ኣንፀላሊዉዎ ይርከብ።
- ኣብዚ እዋን ብፋሉልነትን ኣነነትን ጥሕሰት ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ክሕደትን ጥልመትን ተፈፂሙ ኣሎ፤ እዚ ተግባር ወረዳና ደጉዓ ተንብየን ኣብ ጣቢያና ስምረት’ውን ተለኣኣኽትን ዕሱባትን ጉጅል ክሕደት ውዳበታት ህወሓትን ሰራዊትናን ንምፍራስ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከቡ።
- ቤት/ምኽሪ ወረዳናን ጣቢያናን ዝወሰኖም ውሳነታት ይጠሓሱ ኣለው፤ ፋሉልነትን ስርዓት ኣልቦነትን ይረኣዩ ኣለው። ኣብ ጎኒ ህዝቢ ንዝተሰለፉ ተቓለስቲ ኣመራርሓ ብመፀለምታን ጠቐነን ንምስኳን ኣብ ምንቅስቓስ ‘ኳ እንተሃለው እዞም ከሓድትን ዕሱባትን ባይታ የብሎምን።
- ከም ነባሪ ህዝቢ ጣቢያ ስምረት ድማ ኣብ ዘውፀኣናዮ መግለፂ ቅዋም፤ ሓድነት ህዝብና ዝብትን፣ ነንባዕሉ ክጠራጠርን ከይተኣማመንን ዝግበር ዝኾነ ይኹን ሸርሕን መዕነዋይ ግብርን ብህፁፅ ደው ክብል ፀረ ከባቢያውነትን ድሕረትን ቃልሲ ንምውላዕ ከምዝወሰንና ነፍልጥ።
- ብስም ሪፎርም ኣብያተ ምኽሪ ወረዳ፣ ከተማን ጣቢያን ከምኡ’ውን ውድብና ህወሓትን ሰራዊትናን ንምብታንን ንምፍራስን ዝፍፀም እከይ ተግባር ፀረ ህዝቢ ስለዝኾነ ብትሪ ብኹናን ፀኒዕና ከምንቃለሶ ነረጋግፅ።
- ከምኡ’ውን ብስም ሪፎርም ብሸርሕን ዝፈረሰ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናብ ንቡር ስርሑ ክምለስ ንሓትት፤ ንተግባራዉነቱ ድማ ኩሉ ክረባረብ ንፅውዕ።
- ካብ ትካላዊ መስርሕ ወፃኢ ህዝቢ ብምንዓቕ ብዞባ “ተሸይመ እየ” እናበልካ ንህዝቢ ቸቸ ንምባል ብምሕላም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብብጣስ ወረቐት ብህዝቢ ዝተመረፁ ተቓለስቲ ካብ ሓላፍነቶም ምልዓልን ካብ ስራሕ ምእጋድን ገበን ስለዝኾነ ነዚ ዝፈፀሙ ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱ ንፅውዕ።
- ኣብዚ እዋን ውሳነታት ቤት ምኽሪ ጥሒስኩም ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዕንቅፋት እትፈጥሩን ታሪኻዊ ክሕደት ትፍፅሙ ዘለኹም ኣካላት ዞባን ወረዳን ካብዚ እከይ ተግባርኩም ክትዕቀቡ ነተሓሳስብ።
- ሰራዊት ትግራይን ኣካላት ፀጥታን እቲ ዝተቓለስኩሙሉ ህዝብኹም ህዝቢ ትግራይ እናተኻሓደ ይርከብ፤ ነቲ ዝተዋደቕኩምሉ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብፋሉላት እንትጠሓስ ኣብ ምእራምን ምስትኽኻልን ብምስታፍ ስርዓት ክተትሕዙልና ንፅውዕ።
- ነባሪ ህዝቢ ጣቢያ ሰረት ’ውን ከም ኣካል ህዝቢ ትግራይ ብሕግን ስርዓትን ክንምራሕ’ምበር ስርዓት ኣልቦነትን ክሕደትን ዝፃወር እንግደዓ ከምዘይብልና እናፍለጥና ነዞም ሕግን ስርዓትን ዝጥሕሱ ኣደብ ክገብሩን ናብ ፍርዲ ክቐርቡን እጃሙ ከምዝዋፃእ ነረጋግፅ።