ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ዓለምለኸ ገበናት ብዓለምለኸን ገለልተኛ ኣካልን ተፃርዩ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ክረክብን ምስ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ሓቢረ ክሰርሕ እየ ኢሉ ውድብ ዓረና ትግራይ ንዴሞክራስን ሉኣላውነትን።
እቲ ውድብ ኣብ ዝሃቦ ቕዋም መግለፂ ዝተፈፀመ ስምምዕ ሰላም ብሙሉእነት ክትግበር ዝፀወዐ እንትኸውን ንመላእ ኣባላቱን ህዝቢ ትግራይን ድማ ሓድነቶም ብምጥንኻር ቃልሶም ከሐይሉ ፀዊዑ ኣሎ።
እቲ ውድብ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ከምዝድግፎን ብሙሉእነት ንኽትግበር ሓቢሩ ከምዝሰርሕን ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ዓንዶም ገ/ስላሴ ተዛሪቦም።
