ፕረዚደንት ጌታቸው ነዚ ዝበሉ ኢንሰቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብዛዕባ ሕሉፉን ህልውን ስራሕቲ ምርምር እቲ ትካል ኣድሂቡ ምስ ላዕለውት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳርን ሰራሕተኛታቱን ኣብ ከተማ መቐለ መድረክ ዘተ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን እዩ።
ኣብ ትግራይ ንዝተከፈተ ፅንተታዊ ኩናት ስዒቡ ብምርምር ዝመፁ ለውጢታት ንድሕሪት ንምምላስ ኮነ ተባሂሉ ዕንወት በፂሑ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ይኩን እምበር ነቲ ፀገም ተፃዊርካ ውፅኢት ምርምር ሕርሻ ተጠቃቂምካ ጠፊኡ ዝነበረ ስራሕቲ ሕርሻ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪታት ዝንኣድ እዩ ኢሎም።
መፍረያይነት ሕርሻ ክውስክ ተኾይኑ ምስ ከባቢና ዝከዱ ዓሌታት ምሩፅ ዘርኢ ክህልዉ ኣለዎም እውን ኢሎም ።
ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ውሕስና ምግቡ ንምርግጋፅን መፍረያይነት ሕርሽኡ ንምድንፋዕን ብሳይነስን ምርምርን ዝተደገፈ ስራሕቲ ምስራሕ ወሳኒ እዩ ኢሎም ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ አይተ ጌታቸው ረዳ ።
ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኩናት ካብ ህልቂት ሰብ ብተወሳኪ መሬትና እውን ባዲሙ እዩ፤ ይኩን እምበር ነዚ ኩሉ ፀገም ተፃዊሩ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዓንዲ ሑቐ ኮይኑ ዘላቅነት ዘለዎ ቴክኖሎጂ ኣብ ምዕባይን ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅን ዓብይ ሓላፍነት ሒዙ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝሓበሩ ድማ ዋና ዳይሪክተር እንስቲቱይት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዶክተር ገብረኣምላኽ በዛብህ እዮም።
ሐዚ እውን እንተኮነ ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ኮይንና ፀገማት ህዝብና ንምቅላል ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ዶክተር ገብረኣምላክ ሓድነትና ኣስጢምና ዘይንሰግሮ ፀገም የለን ኩላትና ብሓባር ንረባረብ ኢሎም።
አብቲ መድረክ ዘተ ብዛዕባ ሕሉፍን ህልውን ስራሕቲ ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብዝምልከቶም ኣካላት መፅናዕታዊ ፅሑፍ ክቐርብ ክኢሉ እዩ።
ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ኩሎም ፀገማቱ ተፃዊሩ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናዓመመ ከምዝመፀን ንቀፃሊ እውን ኣበርቲዑ ከምዝቅፅለሉ ተሓቢሩ ።
