Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ህዝቢ ትግራይ ንህልውንኡ፣ክብሩን መንነቱን ንዘበናት እናተቓለሰ ዝመፀ ህዝቢ እዩ

— ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ገብረእግዛብሄር( ሞንጆሪኖ)

ወ/ ሮ ፈትለወርቅ ነዚ ዝበላ መበል 49 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ኣመልኪቱ ብፎረም ደቂ ኣንስትዩ መቐለ ኣብ ዝተዳለወ ዘተ ፓናል እዩ ።

ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ብዝተወደበ መንገዲ ብውድብ ህወሓት እናተመርሐ ቓልሱ ኣንፃር ጭቆናን ወፅዓን ዝጀመረሉ እምበር ሽዑ ጀሚሩ ማለት ኣይኮነን ዝበላ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ ንዘበናት ኣንፃር በደልን ወፅዓን እናተቐለሰ ዝመፀ ህዝቢ እዩ ክብላ ገሊፀን ።

ህዝቢ ትግራይ ብውድብ ህወሓት እናተመርሐ ቓልሲ እንትጅምር ትግራዋይ ከም ካልኣይ ዜጋ ዝቑፀረሉ ዝነበረ እዋን እዩ ዝበላ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድማ ድርብ ወፅዓ ይበፅሐን ነይሩ ክብላ ገሊፀን።

ውድብ ህወሓትን ደቂ ኣንስትዮን ብዕላማ ዝተኣሳሰራ ምዃነን ዝገለፃ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዛብሄር ውድብ ህወሓት መዓርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝቕበል፣ንመዓርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝተቓለሰ ውድብ እዩ ኢለን።

ኣብ ተነፃፃሪ ውስን ሰላም ኮይንና እነኽብሮ ዘለና በዓል እዩ ዝበላ ኣዶ መንበር ፎረም ደቂ ኣንስትዮ ከተማ መቐለ ወ/ሮ ራሕማ ዓብዱልቃድር ብወገነን ህዝቢ ትግራይ ሕሱም ጭቆና በደል፣መግዛእትን ድኽነትን ኣይንቕበልን ኢሉ ቃልሱ ዝተጀመረሉ ዕለት እንዝክሮሉ እዩ ኢለን።

11 ለካቲት ዝጀመረ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ስርዓት ለዊጡ ፣መዓርነት ዝተረጋገፀሉ፣ዓለም ዝመስከረሉ ልምዓት ዘመዝመገበ እዩ ክብላ ወሲኸን ገሊፀን።

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ሕሉፍ ናይ17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ኣብ ምዕዋት መኸተ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዝለዓለ እጃም ከምዘበርከታ ገሊፀን።

ወ/ሮ ራሕማ ዓብዱቃድር ግዛኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ዘይተረጋገፀሉ፣ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ኣብ ዘይተመለስሉ፣ህዝብና ብጥምየትን ሕማምን ኣብ ዝሳቐየሉ እዋን ኮይንና ሰላማዊ ቃልስና ኣሕይልና ውዕሊ ፕሪቶርያ ክትግበርን ቃልስና ነሕይል ይግባእ ክብላ ገሊፀን።

ሓድነትናን ውዳበናን ኣስጢምና ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ክረጋገፅ ክንሰርሕ ግድን ይኸውን ክብላ ድማ መልእኽተን ኣሕሊፈን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ሕሉፋ ናይ 17 ዓመት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከምኡእውን ዝሓለፉ ናይ መኸተ ዓመታት ግደ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተዘትይሉ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *