—ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተሳለጠ ፌስቲቫል ትግራይ ካብ ዝተዛረብዎ:
★ ሕዚ ዘለናሉ ናይ ቃልሲ መድረኽ መልክዑ ዝቐየረ ስለዝኾነ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ፣ልዕሊ ኹሉ ግና በቢግዚኡ ኣሻሓት እናኸፈልና፣ኣሻሓት ኣካል እናጉደልና ዝግበር ምንቅስቓስ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ዝብለሉ ኹነታት እንተሃልዩ ክነናድይ፣ ድሌትናን ባህግናን ብሰላማዊ መንገዲ ንምርግጋፅ ዘኽእል ዕድል እንተሃልዩ ክነናድይ ኢና
★ መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይ ብዝፃባኣ መንገዲ ዝግበር ትዕግስቲ ክህልው ኣይኽእልን።
★ ውዕሊ ፕሪቶርያ ናይ ቃልስና ውፅኢት እዩ።
★ ዲያስፓራ ትግራይ ትግራይ ኣብቲ ሕዚ በፂሓቶ ዘላ ብርኪ ኣብ ናይ ዓለም ካርታ ክትኣትው ንምግባር ዝነበሮ ተራ ክርሳዕ የብሉን።
★ ዲያስፓራ ትግራይ ቃልሱ ደው ስለዘየበለ ናብ ዝነበሮ ጥንካረ ቃልሲ ክምለስ ይግባእ።
★ ብዲዛይን ሕድሕድ ብሎን ትዝመት ተዘሚታ፣ክወስድዎ ዘይኽኣሉ ናብ ጥቕሚ ክውዕል ዘይኽእለሉ መንገዲ ብዛዕባ ዝፈረሰት ትግራይ ኢና ክንሓስብ ዘለና
★ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምምፃኡ ኣንፃር ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይልታት ኣፈላላይ ፈጢሩ እዩ።
★ ብውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ደቡብ ትግራይ ፣ምዕራብ ትግራይ ኮታስ ኣብ ትሕቲ ፀላእቲ ዘሎ መሬት ትግራይን ዘይሕጋዊ ምምሕዳራትን ክፈርሱን ኣፅርዩ ከረክብና ኢና ምስ ፌደራል መንግስቲ ተፈራሪምና።
★ ነዊሕ ዝጓዓዝ ሰብ ኣይጎይን፣ ፅቡቕ ዝዛረብ ሰብ ኣይህወኽን ዓለም እናረኣየ መሰልና እናረጋግፀሉ ስራሕ ክትሰርሑ ኣለኩም ኢሎም ሓደ ኣቦና ምኽሪ ለጊሰሙኒ።
★ ኩሉ ዓቕምታትና ንረብሓ ትግራይ ከነውዕል ኢና፣ዝባኽን ፓለቲካዊ ምንቅስቓስ ክህሉ የብሉን።
★ተሓታትነት ካብ ምርግጋፅ ወፃኢ ናብ ድሕሪት ዝምለስ ነገር የለን።
★ ህዝቢ ትግራይ ክደንን ኣይደልን ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ቅንዕ ኢሉ ክኸይድ፣ ሙሉእ ዓርሰ ውሳነኡ ክረጋገፅ ኣነ ክደንን ዝግበኣኒ እንተኾይኑ ክደንን እየ
★ ልዕሊ ኹሉ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝመፅእ
★ ትግራይ ጉዳይ ዩክሬን ዘይዓበጦ ትኹረት ኣለዎ ሕዚ እውን፣እዚ ከይባኽን ኢና ንሰርሕ ዘለና።
ድወት
