Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ህወሓት አኬባ ጌሩ ካሊእ ሰፍሕ ዝበለ አኬባ ክገብር ወሲኑ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት ቅድሚ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ክዝትየሎም ኢሉ ኣብ ዘፅደቖም ኣጀንዳታት ዝርዝር ምይይጥ ብምክያድ ኣኼብኡ ዛዚሙ ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት ኣብ ውሽጡ ዘጋጠምዎ ፈተናታትን ዝተራእዩ ሕመቓትን ስዒቡ ሰፋሕትን ተኸታተልትን መድረኻት ከካይድ ዝፀንሐ ኮይኑ ቅድሚ ጉባኤ ከካይዶም ዝግባእ መድረኻት ብምስላጥ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩን ውሳነታት ኣሕሊፉን ኣሎ ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ድሕሪ በቢደረጅኡ ዝካየዱ መድረኻት መዛዘሚ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ (ካድረ) ህወሓት ክካየድ ኣቐዲሙ ብዝተቐመጠ ኣንፈት መሰረት እቲ መድረኽ ዝካየደሉ ዕለት ወሲኑ ኣሎ ።

ካብዚ ብተወሳኺ ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና በቢደረጅኡ ዝተኻየዱ ገምጋማት ኣመራርሓ ፣ ኣባላትን ሓፋሽ ህዝብን ግልፂ ፣ ኣሳታፍን ዲሞክራስያውን ምንባሮም ፤ ጉዳይ ህወሓት ካብ ፀቢብ መድረኽ ኣውፂኦም ናብ ሰፊሕ በዓል ዋና ዝኾነ ኣባልን ህዝብን ዝወሰዱ ፣ ከም ወትሩ ወሳንነት ህዝብና ኣብ ምድሓን ውድቡ ዘረጋገፁን ንሕውየት ውድብና መሰረት ዘንፀፉን መድረኻት ምንባሮም ብምድምዳም ጉባኤና ንምክያድ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠሩ ኣብ ምርድዳእ በፂሑ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *