
ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝፀንሐ ደማዊ ኲናት ትግራይ ብ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ውግእ ጠጠው ምባሉ ይፍለጥ፡፡ ኣብ ትግራይ ግዚያዊ መንግስቲ ምጥያስ ኣካል እቲ ስምምዕ ምንባሩ ይዝከር፡፡ ነዚ ስዒቡ ህወሓት ንግዚያዊ መንግስቲ ፕረዚዳንት ዶ/ር ደብረጺዮን ገ/ሚካኤል ክኽውን ወሲና እንተነበረት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዘይተቀበሎ ሓዱሽ ፕረዚዳንት ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ክትመዝዝ ተገዲዳ፡፡ ነዚ ስዒቢ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ፕረዚዳንትነት ብሕፁይ ኣቅሪባ፡፡ ፌደራል መንግስቲ ን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ይቅበሎድ ዝብል ሕቶ ግዜ ዝምልሶ ይከውን፡፡
