መቐለ÷30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)
“ህወሓት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ከምዘይድግፍ ተገይሩ ዝቀርብ ዘሎ ኣካይዳ ፀለመ እዩ” ኢሎም ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ፍስሃ ሃፍተፅዮን(ዶር)::
ፍስሃ ሃፍተፅዮን(ዶር) ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያን ውሽጣዊ ኣፈላላይ ህወሓትን ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም::
ህወሓት ኣብ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ብፍላይ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ምውሓስ፣ተመዛበልቲ ኣብ ምምላስን ተሓታትነት ኣብ ምርግጋፅን ነቅ ዘይብል ቅዋም ከምዘለዎ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ፍስሃ ሃፍተፅዮን(ዶር) ተዛሪቦም።
“ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ዝተፈረመሉ እዋን ኣብ መንጎ ንትግራይ ወኪሎም ዝኸዱ ኣካላት ዓብይ ፍልልያት ተፈጢሮም ነይሮም እዮም” ክብሉ እቶም ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣዘኻኺሮም።
“ኣብ ፕሪቶርያ ተሰማሚዕና ምምፃእና ከም ሓደ ፀጋ ኮይኑ እቶም ዝተረፉ ጉድለታት ድማ ብኸይዲ ክንፈትሖም ኢና ኢልና ኢና ኣሚንና” ኢሎም።
“ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ዝብል ኣብቲ ስምምዕ ኣይነበረን ደሓር እዩ መፂኡ” ዝበሉ ፍስሃ ሃፍተፅዮን(ዶር) “ዕድመ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ካብ ሽድሽተ ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት እዩ” ኢሎም።
“እቲ ዕድል ተንጥቀመሉ ሐዚ እውን ረብሓ ትግራይ ንምርግጋፅ እኹል ዓቕሚ ኣለና ዝበሉ ፍስሃ ሃፍተፅዮን(ዶር) ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሰሪሑዎ ዝበሃል ዘሎ ስራሕ ህወሓት ኣሎ: ኣብቶም ኣፈላላይን ብልሽትን እውን ህወሓት ኣሎ” ኢሎም።
“ህወሓት ምስ ሻዕብያ ርክብ ኣለዎ ዝብል ወረ ፈፂሙ ሓሶት እዩ ዝበሉ ፍስሃ ሃፍተፅዮን(ዶር) እቶም ኣብ ውሽጥና ዘለው ግና ናይቶም መሬትና ዘውረሩ ሓገዝቲ እዮም” ኢሎም።
ኣብ ጉዳይ ሪፎርም ሓሳብ ዝሃቡ ፍስሃ ሃፍተፅዮን(ዶር) “ሪፎርም ንምግባር ኣብ እንዳለወሉ እዋን እዩ እቲ ህውከት ገጢሙና” ኢሎም።
“ቅድሚ ሪፎርም እቲ ዝተወረረ መሬትናን ዝተመዛበለ ህዝብናን ክምለስ ኣለዎ ክብሉ” ተዛሪቦም።
“ግዝያዊ ምምሕዳር ግና ፍርቂ ትግራይ ሒዙ እዩ ሪፎርም ክገብር እየ ዝብል ዘሎ” ዝበሉ ፍስሃ ሃፍተፅዮን(ዶር) እዚ ኣካይዳ ድማ ንህወሓት ዘፍርስ እዩ ኢሎም።
“እቲ ዘሎ ኣፈላላይ ብሕጊ እንተስ ምስ ናይ ሰላም መሻርኽትና ወይ ድማ ኣብ ውሽጥና ብንገብሮ ዘተ ሓደ ዕልባት ክንገብረሉ ኢና” ክብሉ ተዛሪቦም።
“ብዝኾነ መንገዲ ናብ ኲናት ዘእቱ ነገር የብልናን” ክብሉ ድማ ኣረጋጊፆም::
ፍስሃ ሃፍተፅዮን(ዶር) ንህወሓት ወኪሉ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ናይ ዝፈረመ ጉጅለ ኣባል ምንባሮም ዝዝከር እዩ::
