Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ህልውናና ህዝብናን ውድብ ህወሓት ውሑስ ንምግባርን ጉዕዞ ትንሳኤና ንምግሃድን ኩሉ ከም ሓደ ኮይኑ ክረባረብ ከምዘለዎ ኣቦመንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም።

ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ነዚ ዝገለፁ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዮ 11 ለካቲት ኣብ ህልው ኩነታት ውድብ ህወሓት ፃንሒት ኣብ ዝገበሩሉ ግዘ እዩ።

ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ቃለ መሕተቶም፤ “እንርከበሉ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ኣብ ክሊ እዞም በዳህቲ ፈተናታት ተሓፂርና እግርናን ኢድናን ኣጣሚርና እንሪአሉ ዘይኮነስ መዋፅኢ መንገድታት ኣለሊና፣ ጉዕዞ 50 ዓመት ልደት ቃልሲ ህወሓት ገምጊምና ቃልና እነሐደስሉ፣ መፂእና እንፍትሸሉ ክኸውን ይግባእ፤” ኢሎም።

“እዚ መድረኽ እዚ ህዝቢ ትግራይ ብፅንተታዊ ኩናት ካብ ዝበፅሖ በሰላታትን ካብቲ ሐዚ ዘለዎ ጭንቅን ፀበባን ወፂኡ፤ ድሕሪ 25 ዓመት ኣበይ ክበፅሕ ከምዘለዎ ሸቶታት ተቐሚጦም ናይ ሓደ ትውልዲ ትልሚ ወይ ፍኖተ ካርታ እንሕንፅፀሉ ክኸውን ኣለዎ።” ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ነዚ ድማ መንግስቲ፣ ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካን ክፋላት ሕብረተሰብን ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ንምምላስ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ህዝብና ጋህዲ ንምግባር ቃል እንኣትየሉ ኣብ ልዕሌና ዝተፈፀመ ፅንተታዊ ኩናት ካብ ዘብፀሐልና በሰላታት እንሓውየሉን እንመሃረሉን ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ዶ/ር ደብረፅዮን ብዘይካ እዚ፤ ውድብ ህወሓት ብምፍራስ ኣቢልካ ህዝቢ ትግራይ ብከባብያውነት ውሽጣዊ ሓድነቱ ክበታተን ናይ ህልውና ሓደጋ ክፍጠር ውሽጣውን ደጋውን ሽርሕታት ተተሊሙ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ብወፍሪ እምቢታ ኣቢልካ ተግባራት ፅግዕተኛ ሓይሊ እናቃላዕኻ ጥርሖም ክተርፉ፣ አተን ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቐመጣ መትከላት ማለት እውን፤ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ክኽበር ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ፣ ውሑስ ሰላምን ፀጥታን ክህሉ ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ክሰርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ ኢሎም።

ፍልፍልና ድሕረ ገፅ “ወይን” እንትኸውን፤ ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ፅሑፍ ናብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ Link ብምእታው ክተንብቡ ትኽእሉ።

      ላዛ ትግርኛ

17 ለካቲት 2017 ዓ.ም
መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *