Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ኣብ ትግራይ ሎሚ ብዕሊ ምውሃብ ተጀሚሩ።

ቢሮ ትምህርቲ ከምዝገለፆ ኣብዚ ዝወሃብ ዘሎ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ልዕሊ 9 ሺሕን ተምሃሮ ፈተና ክወስዱ ኢዮም፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ራያ 1561 : ኣብ ዪኒቨርስቲ መቐለ 2280 : ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት 2382 : ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም 3291 በድምር ልዕሊ ትሽዓተ ሽሕ ተምሃሮ ይፍተኑ ኣለው ።

እቲ ቢሮ ወሲኹ ከምዝበሎ እቲ ሃገራዊ ፈተና ካብ ሎሚ 29 መስከረም 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ንዝቕፅሉ ተኸታተልቲ ኣርባዕተ መዓልታት ዝወሃብ ኮይኑ ነቲ ፈተና ንምውሳድ ልዕሊ 9,500 ተምሃሮ ተመዝጊቦም እዮም።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 6 ሺሕን 513 ተምሃሮ ተፈተንቲ ተፈጥሮ ሳይንስ እንትኾኑ÷ 3 ሺሕን 1 ዝኾኑ ድማ ብማሕበራዊ ሳይንስ ዝፍተኑ ኢዮም፡፡

እቶም ተምሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት መቐለ፣ ኣኽሱም፣ ዓዲግራትን ራያን እዮም ፈተነኦም እናወሰዱ ዝርከቡ፡፡

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ እውን ኣብ መቐለ ዩንቨርስቲ ተረኺቦም ነቲ ፈተና ዘጀመሩ ኮይኖም ተምሃሮ ተረጋጊኦም ክፍተኑን ፅቡቕ ውፅኢት ከመዝግቡን ምዒዶም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *