Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሃገራት እስያ ርክበን ኣጠናኺረን እንተቐፂለን ኣብ ዓለም ዝፍጠሩ ወለውጢታት ብቐሊሉ ክፃወራ ይኽእላ ኢየን – ሊ ችያንግ

ሃገራት እስያ ርክበን ኣጠናኺረን እንተቐፂለን ኣብ ዓለም ዝፍጠሩ ወለውጢታት ብቐሊሉ ክፃወራ ከምዝኽእላ ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ሊ ችያንግ ገሊፆም።

መበል 26 ጉባኤ መራሕቲ ቻይና -እስያ ኣብ ኢንዶኒዢያ ጃካርታ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ሊ ችያንግ÷ ምትሕብባር ቻይናን ካልኦት ሃገራት እስያን ብብዙሓት ኣፀገምቲ እዋናት እንተይተሓለለ ንነዊሕ እዋን ክፀንሕ ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም፡፡

ቻይና ሓዊሱ ሃገራት እስያ ኣህጉራዊ ሰላምን ልምዓትን ንምዕሳል ከምዝሰርሓ ዝገለፁ ሊ ችያንግ÷ እተን ሃገራት ዘለወን ርክብ ኣጠናኸረን እንተቐፂለን ኣብ ዓለም ዝፍጠሩ ሓደሽቲ ለውጢታት ብቐሊሉ ክፃወረኦ ከምዝኽእላ ኣገንዚቦም፡፡

ቻይናን ሃገራት እስያን ጥንኩር ናይ ምልማዕ ድሌት ከምዘለወን ብምግላፅ፤ “እተን ሃገራት ኣብ ዞባ እስያ ሰላምን ልምዓትን ንምዕሳል ክሰርሓ ኢየን” ምባሎም ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *