እዚ ዝተገለፀ አብ ወረዳ እንደርታ አጋጢሙ ዘሎ ሓያል ድርቂ ስዒቡ ሂወት ሰብን እንስሳን ንምድሓን ዓሊሙ ከይዲ ምትእክካብ እቶት ይሳለጥ አብዘለሉ እዋን እዩ። አብቲ እዋን ተረኪቦም መልእክቲ ዘመሓላለፉ ዋና አማሓዳሪ ወረዳ እንደርታ አይተ ብርሃነ የውሃንስ አብ ወረዳ እንዳርታ ካብ ዝርከባ 24 ይጣብያታት እተን 12 ጣብያታት ከቢድ ድርቂ ከምዘጋጠመን ብምሕባር ነዚ ስዒቡ ድማ ልዕሊ 98 ሽሕ ህዝቢ እታ ወረዳ አብ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ወዲቑ ተፀባይ ህፁፅ ሓገዝ ምኳኑ ሓቢሮም። አብቲ ሎሚ ዝሳለጥ ዘሎ ምትእክካብ እቶት ካብ ክልል፣ዞባ፣ ወረዳ፣ ሰብሃፍቲን ካልኦት ዕዱማት አጋይሽን እናተሳተፉ ዝርከቡ ኮይኖም ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ/ም አስታት 50 ሚሊዮን ብር አታዊ ክርከብ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበረሉ ተባሂሉ። ብሓፈሻ አብታ ወረዳ አጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ድርቅን ንዕኡ ስዒቡ ዝተፈጠረ ሓደጋ ጥምየትን ሞትን ንምድሓን ካብ ሎሚ ጀሚሩ በቢዓቅሙ ሓገዝ ከበርክት ምምሕዳር እታ ወረዳ አፍሊጡ።
