Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሀርበኛታት ትግራይ

ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ከቢድ ናይ ናብራ ፀገም ዘለዎም ካብ ዝተፈላለያ 14 ወረዳታት ትግራይ ብረቋሒ ንዝተሓረዩ 320 ስድራ ስውኣት ንመበል 4ይ ግዜ ብ ከባቢ 16,000,000 ብር ንሕድሕድ ስድራ ስውእ ብር 50,000 ሒሳብ ከከም ኣድላይነቱ ብዓይነትን ብገንዘብን ደጋፍ ንምግባር ይንቀሳቀስ ምህላው ተሓቢሩ።
እቲ ንድጋፍ ዝውዕል ገንዘብ ዝተረኸበ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ካብ ዝርከባ 7 ስቴታት ዝርከቡ ዳያስፖራ ትግራይን ብ DDR ካብ ዝተሰናበቱ ጀጋኑ ተመለስቲ ተጋደልትና ብ DDR ካብ ዝረኸቡዋ ብድሌቶም ብዘዋፅእዎ ገንዘብ ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ።
እዚ ዝተሓበረ ሎሚ ዕለት 27/02/2018 ዓ/ም ካብ ኩለን ዞባታት ንዘመፁ ሓለፍቲ ቤ/ፅ ሓርበኛታት ናይ ዝተፈላለያ 14 ወረዳታት ኣመሓደርትን ናይተን ወረዳታት ሓለፍቲ ቤ/ፅ ሓርበኛታት ኣብዚ ኣብ ከተማ መቀለ ኣብዝተረኸብሉ ናይቲ መደብ ዝርዝር ኣፈፃፅማ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ምይይጥ ኣብዝተገበረሉ መድረኽ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *